Auf einem Bild, das von einem Kind gemalt wurde, sind Wörter in verschiedenen Sprachen zu sehen. © Goethe-Institut

ነፍስ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ሰባት ንጀርመን ይፈልሱ። 20 ካብ ሚእቲ ካብ ተቐማጦ ጀርመን ፡ ካልእ ወይ ዘይጀርመናዊ ናይ ባህሊ ድሕረ ባይታ ኣለዎም። ብዙሓት ካብኣታቶም ናይ ቋንቋ ብዙሕነት ዘለዎም ኮይኖም ፡ ናይቲ መበቆሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ሓንቲ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት ናይ ወጻኢ ይዛረቡ። ብዙሓት ንጀርመን ዝፈልሱ ሰባት ንቋንቋ ጀርመን ከም ባዕዳዊ ከም ካልኣይ ቋንቋ የጽንዕዎ። ሓደ ሰብ ናይቲ ዝቕመጠሉ ሃገር ወይ ዞና ቋንቋ ምስዝኽእል፡ ካብኡ ሓሊፉውን ብጉረማይለ ምዝቆማጥዖ ፡ ምስ ካልኦት ደቂ እቲ ዓዲ ፡ ብዝያዳ ይወሃሃድን ኣገባብ ኣካይዶኦም ዝያዳ የስተማቕሮን።

ረብሓ ናይ ቋንቋ ብዙሕነት

ሎሚ ብዙሕ ቋንቋታት ክትዛረብ ምኽኣል ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ብቕዓት እዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ዝርከብ ዶብ ካብ ቀደም ብዝሓሸ ክፉት ኮይኑ ብዙሓት ሰባት ንወጻኢ ሃገር ይግዕዙ ፡፡ ብጀካ ቋንቋ ኣደ ካልእ ተወሳኺ ቋንቋ ዝዛረብ ሰብ ፡ ዝያዳ ዕድላት ኣለዎ። ኣብ ውልቃዊ ሂወቱን ኣብ ስራሕ ብዙሕ ናይ ቋንቋ ክእለት ዘለዎም ሰባት ንዝተፈላለዩ ካልኦት ኣሕዛብን ባህልታትን የቐራርቡ። ናይ ቋንቋ ብዙሕነት ምልኪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ባህላዊ ምውስሳብ ብቕዓት ይውንኑ። እዚ ማለት ቅርጺ ናይ መነባብሮ ናይ ካልኦት ሰባት ብዝተፈላለየ ጎድንታቱ ክመዝንዎ ይኽእሉ። ኣብ ጀርመን ዝዓበዩ ቆልዑት፡ ደቂ ሓደስቲ ምጻእ ፡ ቋንቋ ናይ ወለዶም ማለት ቋንቋ ናይ ኣደ ፡ ብባህሪኦም ካብ ዝተወልድሉ እዋን ኣትሒዞም ይመሃርዎ። ምስ ቋንቋ ማዕረ ማዕረ ድማ ፡ ብዙሕ ንባህልን ልምድን ናይ መበቆል ዓዶም ዝምልከት ይስቆሮም። ቋንቋ ጀርመን ካብ ብዝሒ ርክባት ዝተላዕለ ፡ ማለት ምስ ከምኦም ቆልዑት ብብዝሒ ብምጽዋትን ምስ ዓበይትን ከምኡውን ኣብ መዋእለ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ይመሃሩ፡ እዞም ቆልዑ እዚኦም ሰብ ድርብ ቋንቋ ኮይኖም ይዓብዩ።

ኣገዳስነት ናይ ቋንቋ ጀርመናውያን

ንዓበይቲ ኣገዳሲ እዩ። ቋንቋ ጀርመን ምፍላጥ ማለት ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ጀርመን ንክትመያየጠሉ የኽእለካ ማለት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውን ፡ ንቋንቋን ከባቢን ምፍላጥ ኣብ ምውህሃድ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ብዛያዳ ግን ቆልዑት ጽፉፍ ናይ ቋንቋ ምልኪ ምስዝውንኑ ቤት ትምህርቲ ይኣትው።

zwei Puppen mit unterschiedlicher Hautfarbe sitzen sich in einem Puppenbett gegenüber. © Goethe-Institut

ኣታዊ ወጻኢ

ዝኾነ ቋንቋ ኣብትዛረበሉ እዋን ኣታውን ወጻኢን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቋንቋ ኣታዊ ማለት ሓደ ሰብ ዝሰምዖን ዘንብቦን ማለት እዩ። ሰባት ኩሉ ኩነታት ብልክዕ ምእንቲ ከንጸባርቑ ፡ ስሩዕ መራኸቢ ቋንቋ የድልዮም። እዚ ኣታዊ እዚ ዓይነታዊ ጸብለልትነት ክህልዎ ይግባእ። ማለት ካብ ሓደ ጽፉፍ ምልኪ ናይ ቋንቋ ዘለዎ ሰብ ክወጽእ ወይ ክርከብ ኣለዎ ማለት እዩ። ብፍላይ ንቆልዑት ተመሪጹ ዝንበብ መጻሕፍቲ ፡ ካብ ሓደ ብቕዓት ዘመስከረ ኣካል ክምንጩ ይድለ። ማዕረ ማዕረ ምስ እታዊ ፡ ወጻኢውን ከምኡ ኣገዳሲ እዩ። ወጻኢ ማለት ሓደ ሰብ ዘፍረዮ ፡ እዚ ከኣ ዝዛረቦ ወይ ዝጽሕፎ ማለት እዩ። ሰባት ቋንቋ ክጥቀሙ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ቋንቋ ብዕሊ ብምዝራብ ፡ ሰብ በብዓይነቱ ህልው ኩነታት ንምጽብራቕን ብዙሕ ተክእሎታት ይህልዎ። ምጽሓፍን ምንባብን ብዙሕ ብምልምማድ ይምዕብላ።
Output is also very important. “Output” means the language that a person produces, i.e. speaks or writes. It is essential for people to be able to use the language. To speak a language well, plenty of opportunities to practise in real-life situations are needed. Speaking and writing are important and effective ways of practising the language.

ምስ ወድኻ ወይ ደቕኻ ኣብ ገዛ ብቋንቋ ጀርመን ዘይኮነ ፡ ብናይ ቋንቋ ኣደ ምስእትዛረብ ነዚ ዘማዕብል ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኣገዳስነት ቋንቋ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት

ኣብ ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣቦን ኣደን ሓደ ቋንቋ ይዛረቡ። እዚ ቋንቋ እዚ ኣብ ሓደስቲ ምጻእ ፡ ዳርጋ ኩሎም ቋንቋ ጀርመን ናቶም ኣይኮነን። ሓደ ቆልዓ ቋንቋ ናይ ስድራ ቤቱ ንኽፈልጥ ፡ ኣብ ገዛ ምስ ወለዱ በቲ ቋንቋ ክዛረብ ኣለዎ። ከምዚ ብምግባር እቲ ቆልዓ ጥቡቕ ዝኮነ ስምዒታዊ ርክብ ምስ ቋንቋ ኣደን ምስ መቦቆላዊ ባህሉን የማዕብል። ቋንቋ ኣደ ንቆልዑትን ዓበይትን ባህላዊ ሓበሬታን ልምድን ክብርታትን የመሓላልፍ። ስድራ ቤታት ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ቋንቋ ኣደ ካብ ምዝራብ ከቋርጹ የብሎም። ብዛያዳኳ ንደቆም ኣብ ማእከል ገዝኦም ኮይኖም ከምሓላልፍሎም ይግባእ። ንቆልዑት ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ቋንቋ ኣደ ምስዝመልኩ እዩ። ጽፉፍ ዝኾነ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ኣደ ፡ እቲ ዝበለጸ ቅድመ ኩነት ንካልኦት ቋንቋታት ንክትመልኽን ከተማዕብልን የገልግል። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብዙሕ እዋን ፡ (ድርብ) ቋንቋታት ወይ (ስሉስ) ቋንቋታት ማለት፡ ሰለስተ ዓይነት ቋንቋ ኣብ መዋእለ ህጻናት ይወሃብ እዩ።

Vor einer Weltkarte hängt ein Wandkalender auf Burmesisch mit deutschen Notizen. © Goethe-Institut

ሓደ ሰብ ሓደ ቋንቋ

ኣብ ገለ ገለ ስድራ ቤታት ኣቦን ኣደን ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኣይዛረቡን እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ብዙሓት ስድራ ቤታት ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ቋንቋ ፡ ኣብ ዝብል ኣገባብ ይጽግዑ። ነፍስ ወከፍ ወላዲ ምስ ውላዶም፡ በብናቶም ቋንቋ የዕልልዎ ። እቲ ቋንቋ ናይታ ስድራ ቤት ፡ ማለት እቲ ዝተፈላልፈየ ቋንቋታት ናይ ኣቦን ናይ ኣደን ፡ ክልቲኡ ናይቲ ቆልዓ ቋንቋ ኣደ ይኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ኣገባብ እዚ ፡ ስሉስ ቋንቋ ኮይኑ እቶም ክልተ ወለዲ ብጽቡቕ ይዛረብዎ።

ኣገዳሲ ተርእዮታት ኣብ ኣተዓባብያ ቋንቋ ብዙሕነት

ኣብ ኣተዓባብያ ቋንቋ ብዙሕነት ፡ ወለዲ ምስ ቋንቁኦም ስምዒታዊ ርክብ ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ። ብርግጽ እቲ ዝበለጸ እቲ ኣቦ ወይ እታ ኣደ ፡ ብናቶም ቋንቋ ንውላዶኦም ምስዘዛርብዎ ይሓይሽ። ሓደ ናይ ስድራ ቤት ቋንቋ እንተሎ ፡ ኩሉግዜ እዚ ቋንቋ እዚ ኣብ ገዛ ክዝረብ ኣለዎ። እቲ ቆልዓ ድልየት እንተዘይብሉ ማለት በቲ ቋንቋ ንክዛረብ ፡ ኣገዲድካ ክኽውን የብሉን። መብዝሕትኡ እዋን ሓደ መድረኽ ኣሎ ባዕሉ ዝቕህመሉ። ወለዲ ከስተውዕልሉ ዝግባእ እውን ፡ ኣብ ገዛ ዝወሃብ መግለጺታት ክትሓዋወስ የቡሉን። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ኣውንታዊ ኣራእያ ዘለዎም ወለዲ ፡ ንደቆም ቋንቋ ናይ ወለዶም ንኽመልኩ ዘኽእሎም ዓቢ ምትብባዕ እዩ።  

ምትሕልላፍ ናይ ቋንቋ ኣደ ንቆልዓ ኣገዳሲ እዩ። ምስኡ ድማ ምውርራስ ናይ ጉረማይለ ቋንቋ ፡ ማዕረ ማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ኣተዓባብያ ናይ ቋንቋ ብዙሕነት ንዝብል እርዕስቲ ዝምልከት፡ ብዙሓት ሓገዛትን ተወሳኺ ደገፍን ዝህባ ኣማኸርቲ ክለባት ኣለዋ። ብዙሓት ከተማታትን ዞና ወይ ከባቢታትን ፡ ሓደ ንባህላዊ ምውህሃድ ዘሳልጥ ቤት ጽሕፈት ወይ ቦታውን ኣለወን። ኣብዚ ቦታ እዚ ዝሰርሑ ሰባት፡ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታን ምትብባዕን ይልግሱ። ውልቃውያን ክለባት ወይ ትካላትውን እንተኾነ ናይ ሓበሬታ ቦታ ኣለወን። ሎሚ ብዙሓት ክለባት ናይ ቋንቋ ብዙሕነትን ባህላዊ ምትዕጽጻፍን ፡ ብዝምልከት ዕማም ተጸሚደን ይርከባ። ሓደ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ነዚ ንጉዳይ ናይ ቋንቋ ብዙሕነት እዚ ዘሰስን፡ ብዙሕ ናይ ኢንተርነት ተለቃቢታትን / ሊንክስ / ሓበሬታን ይረክብ።

ምትብባዕ ቋንቋ ጀርመን ንቆልዑት

ቆልዑት ኣብ መዋእለ ህጻናትን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርትን ቋንቋ ጀርመን ብግቡእ ንኽመልኩ ፡ ነፍስ ወከፍ ኣውራጃ ጀርመን ናይ ገዛእ ርእሳ መደብን ኣሰራርሓን ንድፊ ሓሳብን ኣለዋ። ሓደ ቆልዓ እኹል ቋንቋ ጀርመን ምስዘየጥሪ ፡ ኣብ መደብ መሳለይ ቋንቋ / ስፕራኽ ፎርደር ፕሮግራም / ሓገዝ ይረክብ። ንኣብነት ኣብ ኣፈናዊ ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን / ፎርኩርስ ዶች / ወይ ድማ ኣብ መሳለይ ክፍሊ ቋንቋ ጀርመን / ዶች ፎርደር ክላሰ / ይኣቱ። ካብዚ ንላዕሊ ሓገዝ ዘድልዮም ቆልዑት ምስዝርከቡ ግን ዝተፈላለያ ናይ ምኽሪ ቤት ጽሕፈታት ኣገዳሲ ሓበሬታትን ምትብባዕን ዝልግሳ ኣለዋ።

ምትብባዕ ናይ ኣደ ቋንቋ

ቆልዑት ቋንቋ ኣዲኦም ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ሓደ ኢንስትቱዩት ንክማዕብልዎ ክተባብዑ ይግባእ። ኣቦን ኣደን ደቆም ናይ ገዝኦም ቋንቋ ንኽመልኩ ብመደብ ጹሑፋት ክንበበሎምን፡ ምስኣታቶም ብሓባር ብምዃን ድማ መዛሙርን ላሃጃታትን ጸወታን ምዝውታር የድሊ። ምስ ቤተሰቦም ብስልኪ ክደዋወሉን ስክይ ፐ ክለዋወጡን ይግባእ። ምስካልኦት፡ ከም ናቶም ቋንቋን ባህልን ዘለዎም ቤተሰብ ብምልላይ ድማ ፡ ምስደቆም ክላለዩን ክጻወቱን ቋንቋ ሃገሮም ክዛረቡን ይኽእሉ። 

ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈትን ክለባትን ንቆልዑት ቋንቋ ኣደ ንክፈልጡ ዝወሃብ ናይ ትምህርቲ መደብ ኣለወን። ኣብዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚኣን ኣቶም ቆልዑት ብቋንቋ ኣደ ምጽሓፍን ምንባብን ይመሃሩ። ኣፍልጦ ናይ ናብራን ባህልን ናይ መበቆል ሃገሮም የጥርዩ። ኣብ ገለ ኣውራጃታት ጀርመን ኣብቲ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ውን ይወሃብ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ተወሳኺ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ - ሙተር እሽፕራክሊሸ ኤርገንሱንግስ ኡንተርርሽት Muttersprachlicher Ergänzungsunterricht (MUE) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ ኢንተርነት ብርክት ዝበላ ማሕበራትን ክለባትን ፍሉይ መደብ ብፉልይ ቋንቋ ወይ ብባህላዊ ጉጅለ ዘካይዳ ኣለዋ ንኣብነት ጉጅለ ጸወታ ናይ ቆልዑት ወይ ናይ ስፖርት ክለብ ወይ ድማ መኣዲ ዘተ / እሽታም ትሽ / ኣለዎም። ክምዚ ብምግባር ቆልዑትን ወለድን ናይ ቤተሰቦምን ናይ መበቆል ቋንቆኦም ፍልጠት ብመደብን ብጭቡጥን ይርድእዎ።

Video International Sign

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form