Ein Fahrrad mit zwei Körben ist gefüllt mit Einkäufen. © Goethe-Institut

    ምሽማት ወይ ምዕዳግ ኣስቤዛ

    ዱኳናትን ኣብያተ ሸቐጥን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ

    ኣብ ጀርመን ኣብ ኩሉን ከተማታት ኣብ ገለ ዓድታት ውን ከይተረፈ ሱፐር ማርከት ኣሎ። ኣብኡ ንመዓልታዊ ሂወት ዘገልግል ቁንጠመንጢ ትረክብ፡ ማለት ባንን ስጋን፡ ርግኦን ቾኮላታን፡ መጽረይ ኣቕሑትን ወረቐት ሽቓቕን ወዘተ…። ሱፐር ማርከት ከምልሙድ ካብ ሰዓት 7 ወይ 8 ቅ.ቀ ክሳብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ለይቲ ይኽፈት። ሓድሽ ኣስቤዛ ክትገዝእ ትደሊ ዶ ? ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ዝውዕል፡ ሰሙናዊ ዕዳጋ ኣሎ ፡፡ መብዝሕትኡ ግዜ ቀዳም ቀዳም ይውዕል። ኣብ ናይ ሰሙናዊ ዕዳጋ ፍረሽ ሓድሽ ፍረታትን፡ ኣሕምልትን ከምኡውን ናይቲ ከባቢ ዝውቱር መግቢን ትረክብ። ፍረሽ ዓሳ ከምኡውን ፍረሽ ቩርስት ኣብ እንዳ ስጋ ትረኽቦ። ኣብ ደቡብ ጀርመን እንዳ ስጋ /መስገራይ / ይበሃል ። ውዑይ ባኒ ፎርኖ ፡ ካብ ኣንዳ ባኒ ትዕድግ።

    እንዳ ባኒ እንዳ ዓሳ ከምኡውን ካልኦት ናኣሽቱ ድኳናት ኣብ እዋን ምሳሕ መብዝሕትኣን ይዕጸዋ እየን። መብዝሕትኣን ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ወይ 6.30 ድ.ቅ ይኽፈታ። ሰሙናዊ ዕዳጋ ከም ልምዲ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ዕለተ ሰንበት ኩሉ ዱኳናት ይዕጾ።

    Auf einem Tisch liegen in einem Beutel verschiedene Gemüsesorten, Obst und andere Einkäufe © Goethe-Institut

    ኣገልግሎት ምብጽጻሕ

    ካብ ገዛ ከይወጻኻ ኣቕሓ ክትገዝእ ምስእትደሊ ሓደ ናይ ምብጽጻሕ ኣገልግሎት ትጥቀም። ናይ ምብጽጻሕ ኣገልግሎት ደዊልካ ወይ ናይ ኢንተርነት ቅጥዒ መሊእካ ትጽውዖ ፡፡ ብድሕሪኡ ሓደ ሰብ ፡ ንኣብነት ፒሳ ወይ ማይ ጋዝ ንገዛኻ የምጽኣልካ ፡፡እዚ ኣገልግሎት እዚ ግን ካብቲ ባዕልኻ ኣብ ዱኳን ከድካ እትሽምቶ ዋጋ ዝዓዘዘ እዩ። ኣብ ብዙሕ ድኳናት ዘይብለን ዓድታት ወይ ገጠራት፡ ተቀሳቀስቲ ነጋዶ ኣዘውቲሮም ይመላለሱ ። ኣስቤዛን ኣብ መዓልታዊ ሂወት ዘድሊ ቀንጠመንጥን ይሸጡ።

    ሞያዊ ድኳናትን ኢንተርነትን

    ሓደ ኣርማድዮ ወይ ኮምፒተር ወይ ሳእኒ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ኣብ ሓደ ዓቢ ቤት መሸጣ ወይ ሞያዊ ድኳን ክትከይድ ትኽእል። ዓበይቲ ቤት መሸጣ ዝተፈላለየ ቀረባት ኣለወን፡፡ መብዝሕትኡ እዋን ኣብ ኩለን ከተማታት ኣለዋ። ሞያዊ ድኳናት ማለት፡ ፍሉይ ኣቕሑት ጥራይ ይቕርባ፡ ማለት ንኣብነት እንዳ ፈለኛሞ፡ ኣንዳ ኤለትሮኒክ ወይ ውን መሸጣ ጫማ ክጥቀሳ ይኽእላ ። ናይ ስራሕ ሰዓታት መብዝሕትኡ ግዜ ካብ ሰዓት 9.30 ክሳብ 8 ናይ ምሸት ኮይኑ ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ክሳብ 6.30 ይኸውን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ ኣቕሑት ኣብ ኢንተርነት ትረኽቦ ፡፡ ቅሩብ መዓልታት ተጸቢኻ ድማ እቲ ትደልዮ ኣቕሓ ኣብ ገዛኻ ይለኣኸልካ።

    In einem Möbelhaus sieht man ein eingerichtetes Wohnzimmer mit verschiedenen Möbeln zum Verkauf. © Goethe-Institut

    ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ

    ኣብ ጀርመን ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣከፋፍላ ምህላው ልሙድ እዩ፡፡ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ኩሉ ትከፍል ኢኻ። ሓደ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ኣብ ባንክ ወይ ናይ ቁጠባ ባንክ ምስዝህልወካ ፡ ሓንቲ ኤሰ ካርድ ትቅበልን መብዝሕትኡ ግዜ ድማ ናይ ለቓሕ ካርድ ማስተር ካርድ ወይ ቪዛ ካርድ ይህልወካ። ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ድኳናት ብ ኤሰ ካርድ ወይ ብለቓሕ ካርድ ትኸፍል።

    ኣብ ኢንተርነት ሓደ ሰብ ብለቓሕ ካርድ ወይ ውን ካብ ባንክ ሕሳብ ብምስሓብ ወይ ድማ ብሕሳብ መኽፈሊ ወረቐት ይኸፍል። ካብ ባንክ ሕሳብ ብምሳሓብ ዝኽፈል ምስዝኸውን ናይ ሕሳብ ቁጽርኻ፡ ኦንላይን ትህብ እቲ ገንዘብ ካብ ሕሳብካ ይውሰድ ። ናይ ሕሳብ መኽፈሊ ወረቐት ምስዝኸውን ግን ባዕልኻ ካብ ሕሳብኻ ተመሓላልፎ።

    Eine Person zieht eine Kreditkarte aus einem Geldbeutel. © Goethe-Institut

    ዋጋታትን ውሕስነትን ለውጢን

    ኣብ ጀርመን ኣብ መብዛሕትኡ ድኳናት ንኩሉ ኣቑሑት ውዱእ ዋጋ ኣለዎ። ኣብ ዕዳጋ ወይ ብብዝሒ ኣብ ሞያዊ ድኳናት ምስትዕድግ ሓደ ሓደ ግዜ ትዋገ ኢኻ እዚ ግን ልሙድ ኣይኮነን። 

    ገለ ጎደሎ ዘለዎ ኣቕሓ ዓዲካ ዶ እዚ ምስዝኸውን ናይ ክልተ ዓመት ናይ ውሕስነት መሰል ኣለካ። መተካእትኡ ሓድሽ ኣቕሓ ትረክብ ወይ ውን ነቲ ኣቕሓ ትመልሶ ገንዘብካ ትወሃብ። ወይውን ቕናሽ ዋጋ ይግበረልካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ውሕስነት /ጋራንቲ/ ናይ ኣቕሑት ኣሎ። እቲ ኣቕሓ ንኣብነት ተለቪዥን ምስዝኸውንን ፡ እቲ ናይ ውሕስነት እዋን ከየብቅዐ ምስዝበላሾን ፡ ብዘይ ገለ ተወሳኺ ዋጋ ይዕረየልካ ። ወይ ውን መተካእትኡ ሓድሽ ተለቪዥን ትረክብ። ሓደ ክልተ ድኳናት ናይ ምልዋጥ ተኽእሎ ይህባኻ፡ ዝተገዝኣ ኣቕሓ ዘይፈተኻዮ ምስዝኸውን ክትመልሶ ትኽእል። ገንዘብካ ድማ ይምለሰልካ። ኣብ ኢንተርነት ወይ ዓበይቲ ድኳናትን ኣብያተ ሸቐጥን መብዝሕትኡ ግዜ እቲ ኣቕሓ ኣብ መንጎ 14 መዓልታት ጥራይ ዝተገዝአ ምስዝኸውን እዩ። ነዚ ንምግባር ቅብሊት ወይ ድማ ናይ መኽፈሊ ወረቐት ምርኣይ የድሊ። ፍሉይ ናይ ቕናሽ ዋጋ ተለጢፍዎ ዝተገዝኣ ኣቕሓ ግን መብዝሕትኡ እዋን ኣይትልውጦን ኢኻ።

    Video International Sign

    00:01
    00:00
    Progressive stream type not supported or the stream has an error (SOURCE_PROGRESSIVE_STREAM_ERROR)

    ዝደጋገሙ ሕቶታት

    Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

    Contact form